Tuesday, April 28, 2020

መቃልሕ ዲያስፖራ ትግራዎት

መቃልሕ ዲያስፖራ ትግራዎት!!

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 29 2020 ኣብ ዲሲን ከባቢኣን ክውክል ዝክእል ድ. ፍ. ት. ኢ. / SJTE / ምምስራቱ ይዝከር።
 እዚ ምንቅስቃስ ኣብ ሃገርና ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ክፈጥሮ ዝፀንሐን ዘሎን በደላትን ግፍዒታትን ክንቃለሶ ሰለዝግባእ እ
ድ. ፍ. ት. ኢ. ከም ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ዝወስዶ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ዝበፅሑ በደላትን ግፍዒታትን ኣብ ዓለምለኽ መድረካት (International Community) ብምቅላሕ ኣብ ልዕሊ ፌዴራላዊ ጉጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያል ተፅዕኖ ንምፍጣር እዩ።
 በዚ መሰረት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፌዴራላዊ ጉጅለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኢሰብኣዊን ኢዲሞክራሲያዊን ኣተሓሳስባን ተግባርን ተበጊሱ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ክፍፅሞ ዝፀንሐን፤ ዘሎን፤ ንቅድሚት እውን ዝክእልን ብደቂቁ ብምክትታል፤ ነታ ሃገር ዝሕልዎ ሳዕቤናት እውን ብምትእስሳር ንምቅላሕ ክፃዓር እዩ።
 ኣብ ወፃኢ ዝነብር ዝርከብ ማሕበረ ሰብና እውን ምሳና ተኣሳሲሩ ዘድሊ መረዳእታ ኣብ ምትእክካብ፡ ኣብ ምቅላሕ፡ ፀቅጢ ኣብ ምፍጣር፡ ልኡል ተሳትፎ ንክህልዎ ክፃዓር እዩ።
 ንእነካይዶ ንጥፈታት ክሕግዙና ዝክእሉ ብ ድ. ፍ. ት. ኢ. (SJTE) ሰም FACEBOOK, YOUTUBE CHANNEL, BLOG, WEBSITE ኣጣይሽና ስለዘለና ኩሉ ማሕበረሰብና ነዚ ኣብ ምክትታልን፡ ምስታፍን ክዋሳእ ትፅቢትና ልዑል እዩ።
 ፃዕርና ፍርያት ዘለዎ ምእንታን ክኮን ኣብ ቀንዲ ፀለውቲ ኣካላት ማለት UN, US CONGRESS, US SENATORS, STATE DEPARTMENT ካልኦት ዝምልከቶም ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቅቲ ኣካላትን CNN, NPR & OTHERES ንከነባፅሕ ክንሰርሓሉ ይግባኣና።
 ኣብዚ ምንቅስቃስ ብቀዋምን ብጊዜዊን ክድግፉ ዝክእሉ ልዑል ዓቅሚ ዘለዎም ምሁራን፡ ክኢላታት፡ ኣክቲቪስትታት፡ ጋዜጠኛታት፡ ኣርቲስትታት፡ RADIO, TV, FACEBOOK, YOUTUBE, BLOGGERS MAGAZINES ዝውንኑ ኣካላት ንክተሓባበሩና ፃውዒትና ነቅርብ።