Statements/መግለፂ






መግለፂ

ህዝቢ ትግራይ ገና ካብ ብጉሐቱ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንትጅምር ኣብ ሃገርና ኢትዮጲያ ዝነበረ ብሄራውን ኢኮኖሚያውን ወፅዓን ፀቅጥን ብምውጋድ፤ ማዓርነታዊ ሐድነታ ዝሐለወት፤ ሰላምን ዴሞክራሲያውን መስርሕ ዝወነነት፤ ኹሉ ብዘይ ምንም ስኽፍታ ብማዓርነት ዝነብረላ ሃገር ንምህናፅ ሰፍ ዘይብል ብዓሰርተ ኣሻሓት ሙሩፃት ደቂ ህዝቢ መስዋእትን መቁሰልትን ኸፊሉ እዩ።

ይኹን እምበር ኣብ ዝሐለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሐለፉ ክልተ ዓመታት ምስ ምምፃእ መሪሕነት ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ተታሒዙ ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፈሎ ሓያል መስዋእትን መቁሰልትን ብምክሓድ ኣብ ኣዝዩ መሰከፋይ ኹነታት ክወድቅ ተገይሩ እዩ።

ብመንግስታውን ዘይመንግስታውን መራኸቢ ማዕኸናት(ሚድያታት) ዝተዋደዱን ብቐጥታ ትእዛዝን ድልየትን መሪሕነት ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውዱብ ህወሐትን ኣዝዩ ሐደገኛ ብዝኾነ መንገዲ ወፍሪ ሽም ምጥፋእ እናተገብረን እናተኻየደ ከምዝርከብ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ትግራይ ብኢኮኖሚያውን ፓለቲካውን ኢሉ እውን ሞራላውን ማህሰይቲ ንክበፅሕ ዝተፈላለዪ ሽርሕታት ብመርሒነት ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ እናተፈፀሙ ይርከብ። ካብዚኣቶም ንገሊኦም ንምጥቃስ ዝኣክል፤

-
ካብ ማእኸል ሃገር ናብ ትግራይ ዝወስዱ መንገድታት ምዕፃው
-
ናብ ትግራይ ዝሓልፉ ዝተፈላለዩ ጥረ-ኣቑሑት ብቐትሪ ክዝረፉ ምግባር
-
ዲፕሎማት፣ ኢንቨስተራትን ቱሪስትታትን ናብ ትግራይ ዝገብሩዎ ጉዕዞ ምኽልኻልን ምትዕንቓፍን
-
ብኣውሩኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሐላፍነት መንግስቲ ዝነበሩ ተጋሩ ብፓለቲካው ኣተሐሳስበኦምን ብትግራዋይነቶምን ንልዕሊ ሐደ ዓመት ብዘይ ፍትሒ ከእሰሩን ኣብ ምግባር።

ህዝቢ ትግራይ ነዞም በብጊዝኡ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማትን ብድሆታትን ሓድነቱ ብምስጣም ብጥበብን ብትዕግስትን ይምክቶም ከምዘሎ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።

ተጋሩ ነበርቲ Washington DC ኸባቤአን ድማ ነዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘጓንፍ ዘሎ ፀገማትን ብድሆታትን ብዝግባእ ድሕሪ ምግንዛብ ኣብ ጎድኒ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምኳን ብዘይዋዓል ሕደር ነቲ ኣንፃር ሰላምን ድሕነትን ህዝብና ዝንቐሳቐስ ዘሎ መሪሕነት ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ንምቅላስ ኣብ ዝሐለፈ ወርሒ ለካቲት 21, 2012 /( Feb, 29, 2020) ፈላማይ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ብምክያድ ድሕነትን ፍትሕን ንተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ (...) ዝብል ውዳበ/ምንቕስቓስ ሕጋዊ ብዝኸነ መንገዲ ብዕሊ ኣጣይሽና ንርከብ።

... ዓሰርተ ሸዉዓተ ኣባላት ቦርድን ሸወዓተ ላዕለዎት ፈፀምቲ ስራሕን ብምሕራይ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሐለፉ ዓርባዕተ ዓመታት ዘጋጠሙ ፓለቲካውን ማሕበራውን ቕልውላው ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕነት መንግስቲ ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ዝተፈጠሩ ሓደጋታት ምስ መዳርግቲ ኣካላትን ምስ ህዝቢ ትግራይን ብምኻን ንምቅላስ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከብ።

... ከም ቐንዲ ዕላምኡ ገይሩ ዝወስዶ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ በደላትን ግፍዕታትን ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ብምቅላዕ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ጊዜ ዘይህብ ቓልሲን ፀቅትን ንምክያድ ዘድሊ ዘበለ ሕጋውነት ብምዝዛም ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሐለፉ ክልተ ዓመታት ካብ -ሰብኣውን -ዴሞክራሲያውን ኣተሓሳስባን ተግባርን ተበጊሱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክፍፅሞ ዝፀንሐን ዘሎን፤ ንቅድሚት እውን ክፍፅሞ ዝኽእልን ብሙሉኡ ብምክትታል ኣብታ ሃገር እውን ከስዕቦ ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ብምትእስሳር ንመላእ ህዝቢ ዓለም ንምቅላሕ ፃዕሪ ክገብር እዩ።

... ኣድማዕን ውፅኢታውን ስራሕ ንምስራሕ ኣብ ቐንዲ ፀለውቲ ትካላት ማለት እውን ውድብ ሕቡራት መንግስታት(UN) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ(US Congress Senate) ፈፀምቲ ኣካላት ኣሜሪካ፤ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ-መሰል ትካላትን፤ ዓበይቲ መራኸቢ ማዕኸናት ዜናን፤ ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን መሪሕነት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶም ዛለዉ -ሰብኣውን -ዴሞክራስያውን ተግባራት ንምቅላዕ ስራሕቱ ኣብ ምዝዛም ይርከብ።

ብመሰረት እዚ ... ኣብ መላእ ዓለም እትርከቡ ትግራዎት ብሙሉእኹም ምስ ... ብሓባር ብምኻን ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ጉጅለ መንግስቲ ኣብይ እሕመድ መረዳእታ ኣብምእካብ፣ ኣብምቅላሕ፣ ፀቅጢ ኣብ ምፍጣርን ኣብዝግብር ምንቅስቓስ ልዑል ተሳትፎ ንኽትገብሩ ፃውዒት የቅርብ

ብተውሳኺ'ውን ብጊዝያውነትን ብቐዋምነትን ንምንቅስቓስ ... ንኽትሕጉዙን ክትድጉፉን እትኽእሉ ልዑል ዓቅሚ ዘለኩም ሙሁራን ትጋሩ፣ ኪኢላታት፣ ኣክቲቪስትታት፣ ጋዜጠኛታትን ኣርቲስትታትን ንምድሐን እሱራት ፓለቲከኛታት ተጋሩን ንምዕቃብ ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ እጃምኹም ንኽተወፍዩ ፃውዒት የቅርብ ...ኢ።

ኣብ መወዳእታ ... ንዘካይዶም ንጥፈታት ክሕግዙ ዝክእሉ SJTE ብዝብል Facebook page SJTE RIGHTS ብዝብል  Youtube channel ነፃ ብሎግ(Blog) ከምኡውን መርበብ ሐበሬታ(Website) ኣጣይሹ ዝለዘሎ ኹሉ ትግራዋይ ብዘይካ ፓለቲካዊን ሃይማኖታዉን ፆታዉን ኣፈላላይ ኣብ ምክትታትልን ኣብ ምስታፍን እጃሙ ንከበርክት ፃውዒትና ነቅርብ።

ሐድነትና ብምስጣም ድሕነትን ፍትሕን ህዝቢ ትግራይ ውሕስ ንግበር ::

ፍትሒ ንፓለቲከኛታት እሱራት ተጋሩ!
ፈፃሚት ኮሜቴ ድሕነትን ፍትሕን ንተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ
Washington DC
April 30,2020.

No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.