Prisoners Issues


16/09/2011

ተጋሩ ፖለቲካዊ እሱራት ሓራ ንምውፃእ ክንክተሎ ዘለና ኣንፈት

ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ  እስካብ ሎሚ ብሓደ ገፅ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝፀንሑ እሱራት ብነፃ እንትፈትሕ ብካልእ ገፅ ድማ ብፍላይ ካብ ብረታ ብረት ኢንጂነሪንግ ኮርፖረሽን፣ ኢንፎርሜሽን ድሕንነት መረብ ኤጀንሲ ፣ ብሄራዊ መረጃ ኣገልግሎትን ፖሊስን ብሓርፋፍ ግምት ካብ 1500-2000 ዝኾኑ ኣባላት ናብ ቤትማእሰርቲ ዳጉኑዎም ይርከብ። እቶምእሱራት ብግምት ልዕሊ 95% ተጋሩ እንትኾኑ እቶም ዝተረፉ ሽፋን ንምፍጣር ተባሂሉ ናይቲ ግዳይ ተጠቓዕቲ ዝኾኑ ወይ ከዓ ንወያነ የገልግሉ ነይሮም ተባሂሎም ዝተፈረጁ ናይ ካልኦት ብሄራት ተወለድቲ እዮም። ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ምውሳዱ ናይ ትግራይ ልዕልነት ኣብ ኢትዮጵያ ሰፊኑ ፀኒሑ እዩ፣ናይ ወያነ ናይ 27 ዓመታት ምሕደራ ስርዓት ሽብርተኛን ናይ ፀልማት ግዘን እዩ ነይሩ። ናይ ቀጥሪ ኣዛብእ ሃዲና ክንፋረዶም ኢና ወዘተርፈ ብዝብል ትረኻ ኣብ ተጋሩ ዘነፃፀረ ናይ ስነ ኣእምሮኣውን ስነልቦናዊን ኩናት ብምክያድ ኩነታት እናመቻቸወ ፀኒሑ እዩ። ብተወሰኪ  እቲ ቅድም ኢሉ ተወሲኑ ዝሓደረ ጉዳይ ሕዳር ፪፩፩ መጀመሪያ ከባቢንይምሰል ናይ ኢህኣዴግ ስራሕ ፈፃሚ ኣባላት ኣኪቡ ናይ ይሁንታ ሰርተፍኬት (Rubber stamp) ከምዝረኸበ ኣምሲሉ  ብምቕራብን ሚድያ ከም መሳርሒ ተጣቒሙ ናይ ሓሶት ሰነድ (Fecumentary) ብምፍናውን እዩ እቲ ፍርዲ ቀዲሙ ምስወደኣ እዩ እቲ ስጉምቲ ወሲድዎ። ስለዚ እቲ ኣብተጋሩ ዝተወሰደን ሐዚ ውን ክውሰድ ዝሕሰብ ዘሎን ናይ ምእሳር ስጉምትታት ኣብስልጣን ዘሎ ናይ ኦሮማራ ሓይሊን ካብ ናይዝተፈላለዩ ናይደገ ሓይልታትን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝነቐለ እምበር ናይ ገበን ምክልኻል ጉዳይ ዘይምኻኑ ግልፂ ኮይኑ ዝሓደረ ጉዳይ እዩ። ስለዝኾነ ውን እዩ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መልክዕ ተቓውምኡ እናስመዐ ዝኒሀ።

እቶም ብህዝቢ ትግራይ ይኹን ብህወሓት ኣቢሎም ክግለፁ ዝፀንሑ ተቓውሞታት እቲ ገዛኢ ጉጅለ ዝጀመሮ ትግራይ ናይምብርካኽ ህንዱድ ምንቅስቓስ ዝዓገቱን ቀፃሊ ስጉምትታት ንኸይውሰድ  ዝገበሩን እንተኾኑ ውን ነዞም ኣብ ኢድ እቲ ሓይሊ ዝኣተው ተጋሩ ክፍትሑ ኣብ ምግባር ግን እዙይ እዩ ተባሂሉ ክግለፅ ዝኽእል ተፅዕኖ ክፈጥሩ ኣይከኣሉን። ብዝበኣሰ መልክዑ ከዓ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓንፀፆም ሽርሕታት ፅልዋ ኣቲና  ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣጀንዳ ዝተረሰዐ ጉዳይ አብ ዝመስለሉ ኩነታት ንርከብ ኣለና።

ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ጉጅለ ሰለስተ ስልትታት ሓንፂፁ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ይመስል። ሓደ እሱራት ይቅርታ ክሓቱ ብዝተፈላለየ መንገዲ ምጉስጛስ ብኡ ኣቢልካ ኣብእሱራትን ቤተሰቦምን ዝበፅሐ ስነልቦናዊ ጉድኣት ብምምዝማዝ ምክፍፋል ንምፍጣርን ንይቅርታ እሺ እንተኢሎም ድማ  ወያነ ገበን ምስርሑ ምቕባሉ ንምቅላዕን ዝዓለመ ኣካይዳ እዩ። ካልኣይ ኣብ ውልቀሰባት ፈሊኻ ንምድርዳር ዝዓለመ ኣካይዳ እዩ። እዚ ማለትብስሕተት ዝተኣሰሩ እንተሃልዮም ኮሚቴ ተጣይሹ የፃሪ ብዝብል ምንቅስቓስዝግበር ዘሎ ኮይኑ ጎኒ ንጎኒ ድማ ኣብልዕሊ ናይ ብሄራዊ መረጃ ኣገልግሎት ነበር ኣመራርሓ ኣባላት  ክሲ ናይ ምምስራት ስራሕ ይካየድ ኣሎ። ናይዚ እንድምታ ነቲ ጉዳይ ካብ ፖለቲካዊ ዛዕባ፡ኣውርዲካ ኣንፈት ንምስሓት እዩ። ሳልሳይ ዘይተትሓዙ ገበነኛታት ኣብ ትግራይ ተሓቢኦም ዘለው ናይ ፍርድቤት መትሐዚ ትእዛዝ ወፂኡ ኣሎ  ምንትሴ ብዝብል ብሓደ ገፅ ትግራዋይ ተረጋጊኡ ናብ ስራሕ ከይኣቱን ነንባዕሉ ንኽበኣስን መንገዲ ንምፅራግ ብኻሊእ ገፅ ድማ እቶም ኣብ ኢዱ ኣእትይዎም ዘለው እሱራት ንኽፍትሑ ካብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበረ ድፍኢትን ተፅዕኖንንምቕሃምን ኣንፈትቱ ንምዝባዕን እዩ ዝሰርሕ ዘሎ።

ጥቕልል ኣቢልካ ክርአ እንከሎ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ዝተሸረበ ሽርሒ መልክዑ እናተቐያየረን እናተወሳሰበን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ኣብዚ ማእኸል እዚ ብፍላይ ድሕንነት ፖለቲካዊ እሱራት ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ኣሎ።ኣብዚ ጉዳይ እቲ ብወገን ትግራይ ዘሎ ግብረ መልሲ ድማ ዝተበታተነን ቀፃልነት ዘይብሉ reactive እዩ። በዚ መንገዲ እንተቐፂልና ድማ ኩሉ ነገር ካብኢድና ናይምውፃእዕድሉ ገፊሕ እዩ። ስለዚ ናብ መፍትሒ ክወስደና ዝኽእል ዝተወሃሃደን ቀኣሊን ምንቅስቐስ ክነካይድ ኣለና። እዙይ ንኽኸውን ከዓ ንፁርን ስትራቴጂያዊን ኣንፈት ክህልወና ኣለዎ። እቲ ምንቅስቓስ ብስትራቴጂ ይምራሕ ክበሃል እንከሎ ፖለቲካዊ እሱራትና ዝምልከት እቲ ናይቲ ጉጅለ ሸቶታትን ስልትታትን ዝምልከት ግልፅነት ዝፈጥር፣ ብወገን ትግራይ ዘሎ ቅዋምን እቲ ቅዋም ንኽትግበር ክህልውዝግባእ ሽቶታትን ስልትታትን ከምኡ ውን ክውሰዱ ዝግባእ ኩለመዳያዊ  ( ስነልቦናዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሕጋዊ፣ ዲፕሎማሲያዊ፣ ቁጠባዊ፣ ሓበሬታዊን ፀጥታውን) ስጉምትታትን ናይ ሓይልታት አወፋፍራን ዝምልከት ንፁር ሓሳብ ምሓዝን ምትግባርን ማለት እዩ። እዛ ሓፃር እሕፍቲ ድማ ኣብዘንዝተጠቐሳ ጉዳያት ዝምልከት ዘለኒ ርኢቶ (Personal reflection) ንምግላፅ ዝዓለመትን ብቐፃሊ ምይይጥ ከምእትዓሙቕን ርድኢት ዝወሰደትን እያ።

እዚ ስልጣን ዝሓዘ ጉጅለ ካብ ፖለቲካዊ እሱራትና ዝደለዮ ትርፊ እንታይ እዩ?

እቲ ጉጅለ ኣብ እሱራትና ዘለዎ ድሌት ካብቲ ናይቲ ጉጅለ መሰረታዊ ባህሪ ዝነቅል እዩ።ከምዝፍለጥ እዚ ሓይሊዚ ናይ ኢህኣዴግ ካባ ለቢሱ ብሰላሕታዊ መንገዲ (Silent coup) ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ተፈጢሩ ነቲ ግንባር ብምፍራስ ናብስልጣን ዝወፀ ሓይሊ እዩ። አዚ ሓይሊዚ ናይዝተፈላለየ ፖለቲካውን ውልቃውን ኣጀንዳ ዝብላዕለዐሉ ፖለቲካዊ መርበብ ኮይኑ ብባህሪኡ ሓደ ዘስማዕምዖ ቀዋሚ ዕላማን ኣንፈትን ኣነፂሩ ስርዓት ክፈጥር ዘይኽእል በቢእዋኑ ተለዋወጥቲ ኣጀንዳታት  እናፍሓሰ ናይሓይልታት ፅምዶንሚዛንን (temporary alliance and balance) ብምስናዕ ግዘ ክግዝእ ዝፅዕር ሓይሊ እዩ። ስለዝኾነ ባዕሉ ጠጠው ክብል ዘይኽእል ፅግዕተኛን ተለኣኣኽን ሓይሊ እዩ። ኮይኑ ግን እቲ ጉጅለን ብድሕሪኡ ዘለው ኩሎም ሓይልታትን ሓደ ዘስማዕምዖም ከሳኽዕዎ ዝደልዩ ኣጀንዳ  ወያነ ከምዘይትስእ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሑቕኡ ምስባር ዝብል እዩ። ዕላማ  ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲታት እውን  እዚ ኣጀንዳ ንምስኻዕ ዝዓለመ ምኻኑ ግልፂ ኮይኑ  በዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣጠቕሊልካ ምቕማጥ ይከኣል እዩ።

1)     ነቲ ፌደራል ስርዓት ኣብምህናፅን ኣብምሕላውን ቁልፊ ግደ ይፃወት ነይሩ ኢሎም ዝሓስብዎ ናይወያነ ሓይሊ ብሽም ሕጊ ተሓታቲ ብምግባር ታሪኻዊ ቂም በቀል ምውፃእ፣ እቲ ስርዓት ተመሊሱ ናይ ምጥጣዕ ዕድሉ ምዕፃው፣ ብዘይካ ተናሓናሒ ሓይሊ ስልጣን ምድልዳል ።እዙይ ድማ ፀላኢኻ ሙሉእ ብሙሉእ ምሕምሻሽ (Crash your enemy totally) ኣብ ዝብል ናይ ማክያበሊ መምርሒ  ዝምስረት እዩ።
2)    ትግራይ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ፣ ጎዶባውን፣ ኣህጉራውን ፖለቲካ ክትፈጥሮ እትኽእል ተፅዕንኖ ከቢድ ስለዝኸውን እዚ ድማ ፅግዕተኛ ሓይልታት ንዝሓልምዎ  ናይ ሓይሊ ልዕልና ዕንቅፋት ስለዝፈጥር  ዝተፈላለየ ስጉምቲ ብምውሳድ ክትዳኸም ኣለዋ ። ሓደ ካብቲ መዳኸሚ መንገዲ ናይቃልሲ ተሞኩሮን ዓቕሚን ዘኻዕበቱ ልሂቃናታ (Elites) ብምፅናት (ካብ ስራሕ ወፃእ ብምግባር) ምድሃልን ምምብርካኽን እዩ።
3)    እሱራት ከም መትሓጃ ብምጥቃም ምስ ናይትግራይ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ኣብዝግበር ድርድር ናብ ዋጋ ዕዳጋ ንምቕራብን ኢዶም ንኽህቡ ብምግዳድ ናይዝሓለፉ ዓመታት ሒሳብ ንምውርራድን።
4)    እቲ ጉጅለ ነዞም ፖለቲካዊ እሱራትና ከም ናይ ጠላዕ ካርዲ ብምጥቃም ምስቶም መሻርኽቱ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ምስ ናይ ኣምሓራ ፣ ናይ ኤርትራ፣ግብፅን ምዕራባውያንን ሓይልታት ዝፈጠሮ ቃልኪዳን ዕድመ ንምንዋሕ ከምኡ ውን ኣብቲ ፖለቲካዊ መሰረተይ እዩ ኢሉ ዝሓስቦ ሓይሊ (Political constituency) ናይ ሕጊ ልዕልና ምርግጋፅን ንወያነ ምምብርካኽ ዝኸኣለ  መንግስቲ እዩ ዝብል  ምስልን ቅቡልነትን ምፍጣር።

እዘን ኣብላዕሊ ዝተገለፃ ሽቶታት ንምዕዋት ድማ ተለዋወጥቲ  ስልቲታት ይጥቀም ኣሎ። ገሊአን ስልትታት ኣብላዕሊ ስለዝተገለፃ ምድጋም ኣድላይ ኣይኮነን። ካብተን ብትዕዝብቲ ክነንብበን እንኽእል ስልትታት ውሽጢ ኬዛት ምንዋሕ፣ ምውስሳብ፣ ምድርዳር፣ ምሽምጋልን፣ ምፍርራሕን ምድኻምን እየን። ኬዛት ናይ ምንዋሕ ዋና ዕላማ እቶም እሱራት ክርብርቡን  ተስፋ ቆሪፆም ኢዶም ንኽህቡን ንምግዳድ ከምኡ ውን ከም መትሓጃ (Political collateral) ንምጥቃምን እዩ። ምስዚ ጎኒ ንጎኒ ኮነ ተባሂሉ ናይ ክሲ ትሕዝቶን ቅርፂን ብምልውዋጥን ግልፅነት ዘይብሉ ነንባዕሉ ዝጣረስ ዐንቀፃትን ፕሮሲጀራትን ብምጥቃስ ነቲ ጉዳይ ምውስሳብ ከም ዕላማ ወሲዱ ይሰርሓሉ ኣሎ።  ምድርዳር ክበሃል እንተሎ ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ጉዳይ ካብ ኣጀንዳ ወፃእ ክኸውን ብምግባር ናይ ህወሓት ኣጀንዳን ሕቶን ኣብ ውልቀ እሱራት ከቶክር ምግባርን እቲ ጉዳይ ካብፖለቲካዊ ኣጀንዳ ወፃእ ክኸውን ምግባርን እዩ። ናይ ምሽምጋል ስልቲ ሽቶ ድማ  ናይ ቤተሰብ ጭንቀትን ናይቶም እሱራት ስነልቦናን ብምምዝማዝ ይቅርታ ክጥይቑ ብዝተፈላለያ ዘይወግዓዊ ጉጅለታት ኣቢልካ ኣብሞንጎ እቶም እሱራት ምክፍፋል ብምፍጣር እቲ ስጉምቲ ገበን እምበር ፖለቲካዊ ዘይምኻኑ ንምርኣይ እዩ።ምፍርራሕ ናይ እሱር ትእዛዝ ሊስት ዶሴ ብምፍብራኽ እኒ እከለ ናይ እሱር ትእዛዝ ወፂሎም ኣሎ ዝብልወረ ብሰባትን ብመራኸቢ ሓፋሽን ክንዛሕ ብምግባር ትኹረት ብምዝባዕ ጉዳይ እሱራትና ክርሳዕ  ምግባር፣ ዝወደቐ ድጋፍ እንደገና ክትስእ ብምግባር  ሽርክና ምንዋሕ፣ እቲ ናይትግራይ ሓይሊ ተረጋጊኡ ኣብስርሑ ከይከውዕል ምግባርን እዩ።ምስዚ ተኣሳሲሩ ዝረአ ሃፋትም ተጋሩ ንምድኻም ወይከዓ ካፒታሎም ናብ ትግራይ ከየንቀሳቕሱ ወይከዓ ክሸማቐቑ ንምግባርብሽም ኦዲት ዝግበር ናይ ምእሳር ቀፃሊ ምፍርራሕ ተግባራት እዮም።ደሚርካ እንትርአ ተኣዊጁልና ዘሎ ኩናት ብዝተፈላለየ ስልቲ ብሉፅ ዓቕሚ  ተጋሩ ብምንፃት ልዕልነት ናይ ምርግጋፅ ስትራቴጂ ዝኽተል እዩ።

ንሕና እንታይ ንግበር?

ንሕና ክንብል እንተለና ህዝቢን መንግስትን ትግራይን ህወሓትን ኣብትግራይ ዝነጥፋ ኩለን ውዳበታትን ማሕበራዊ ትካላትን ንምግላፅ እዩ።እንታይ ንግበር ቅድሚ ምቕማጥና ነዚ ጉዳይ እንርእየሉ ናይ ሓበር መነፅር እንታይ ይኹን ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ፀረ ህዝቢ ትግራይ ሓይልታት እቲ ናይ ምእሳር ኣጀንዳ ሑቐ ወያነ ብምስባር ተጋሩ ምምብርካኽን ፍፁም ምሕምሻሽን ናይ ዝብል ዓብዩ  ፖለቲካዊ ኣጀንድኦም (Grand political agenda) ሓደ ስትራቴጂ ጌሮም እዮም ዝሰርሕሉ ዘለው። ብኣና ወገን ዘሎ ምንቅስቓስን ግብረመልስን ግን ብስትራቴጂ ዘይምራሕን ብቱን ኣካይዳ ዝኽተልን እዩ። ናይዚ ውፅኢት ኣብቲ ጉዳይ ሓደ ዓይነት ርድኢትን ናይ ቃልሲ ኣገባብ ግልፅነትን የለን። ስለዚ ፈለማ እዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ እዩ ዝብል ዘየላጢ ቅዋም ክተሓዝ ኣለዎ። ቐንዲ መፍትሒኡ ድማ ፖለቲካዊ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ መድረኽ እዚ ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብዘሎ ፈተና ብዓወት መሰስ ኢሉ ንኽወፅእ ናይ ዝሕንፀፅን ዝትግበርን ስትራቴጂ ኣካል ተጌሩ ክተሓዝ ኣለዎ። ስዒቡ ናይ መንግስቲ መሪሕነት ተቖፃፂሩ ዘሎ ህወሓት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እንትሕተት “ንሰርሓ ሉ ኣለና ኢና” ዝብል መልሲ ካብ ምሃብ ወፂኡ ኩሎም ሓይልታት ግደኦም ዝዋስእሉ ፍኖተካርታ ሓንፂፁ ዘዋፍረሉ ስርዓተ መሓውር (Structure) ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ናይሓይልታት ምውፋር  ጉዳይ ውን ካብቲ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውሓስ ኣጀንዳ ተነፂሉ ዘይርአ ስለዝኾነ ትልሚ ወፂኡሉ ናይ ተግባራት ቅደም ስዓብ ተነፂሩ ዘድሊ ሃፍቲ ተመዲቡሉ ክፍፀም ኣለዎ። እቲ ምንቅስቐስ ድማ ብውሑዱ እዘንዝስዕባ ሽቶታት ከሳኽዕ ኣለዎ።

1.      ብዘይ ምንም ይቕረታን ምሕረትን (እሱራትና ይቕሬታ ክሓቱ ካብ ዝጠልብ ዝኾነ ስልቲ ነፃ ብዝኽነ) እሱራትና ሓራ ክወፁ ምግባር።
2.     ኩሎም እሱራትና ሓደ ዓይነት መርገፅን ኣረኣእያን ክሕዙ ምስቲ ኣብደገ ዝግበር ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተኣሳሰረ ብዋጋ ዕዳጋ ዘይደራደር ቁመና ክፈጥሩ ምኽኣል።
3.     ኩለመዳያዊ ድሕንነትን ህላወን (ስነልቦናዊ፣ ኣካላዊ፣ቁጠባዊ፣ሕጋዊ፣ ፖለቲካዊ ) እሱራትናን ቤተሰቦምን ውሑስ ምግባር።
4.     እሱራትና ሓራ እስካብ ዝወፁ ዘየቃርፅ፣ ዝተወደበን ኣድማዕን ቃልሲ ምክያድ።

ሽቶታትና ንኽንወቅዕ ብዝነኣሰ እዘን ዝስዕባ ስልትታት ክንክተል ኣለና።

1.      ኩለመዳያዊ ኣገባባትን ብርክታትን ቃልሲ ኣወሃሂድካ ምጥቃም።
ኩሎም ኣገባባት እንትንብል እንተለና ብቐንዱ ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማሳያዊ፣ ሕጋዊ፣ ፍናናዊ፣ ፀጥታዊ፣ ፋይናንሳዊን ሓበሬታዊን መልክዕ ቃልሲ ከምኡ ውን ወግዓውን ዘይወግዓውን መንገድታት ኣወሃህዲካ ምኻድ ዝምልከት እዩ። ብርክታት ክንብል እንተለና ድማ ብብርኪ ሕብረተሰብ ፣ መንግስቲ፣ ዝተፈላለያ ውዳበታት፣ ትካላትን ውልቀሰባትን ከምኡ ውን ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራውን፣ ሃገራውን መርበባት ኣዋዲድካ ብዛዕባ ምስራሕ እዩ ዝምልከት። እቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከም ሕመረት ናይቲ ቃልሲ ክውሰድ ኣለዎ። ኩሎም ኣገባባት ነዚ ብዝምግቡ መንገዲ ክካየዱ ይግባእ። ዕላምኡ ድማ ብቐንዱ ነዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ብምቅላዕ ኣብ ናትና ኣጀንዳ (Term and condition) ናብ ድርድር ክመፅእ ብምግዳድ እሱራትና ሓራ ክወፁ ምግባር ክኸውን ይግባእ። እዚ ንኽገሃድ ድማ ዲፕሎማሲያዊን ቁጠባዊን፣ ሓበሬታዊን ሓይልታት ኣወሃሂድካ ምጥቃም ዝሓወሰ ቃልሲ ክካየድ ኣለዎ። እቲ ሕጋዊ መስርሕ ውን ሽቶኡ ምቅላዕ ክኸውንኣለዎ። ምእንተዚ ኣህጉራዊ መገባእያ ውን ክንጥቀም ኣለና። ናይ presumption of innocence & fair trial ጉዳይ ናብ ናይ ኣፍሪካ መገባእያ ክበፅሕ ኣለዎ ። እቲ ናይ ጥብቅና ስራሕቲን ወፃኢኡን እውን ኣብ ናይ ሕድሕድ እሱር እንግድዓን ሓላፍነትን ዝድርበ  ጉዳይ ዘይኮነስ ብዝተወደበ መንገዲ ክኽየድ ይግባእ።ናይመንግስትን ካልኦትሓይልታትን ግደ ተነፂሩ ምንቅስቓስ ክግበር ኣለዎ። ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ቤተሰብ ፍናንን ድሕንነትን ምሕላውጉዳይ እውን ሓደ ትኹረት ናይቲ ቃልሲ ክኽውን ኣለዎ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ፍሉይ ትኹረት ዝሓትት ተግባር ድሕንነት እሱራትና ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ከቢድ ናይ ድሕንነት ስግኣት ኣሎ። እቲ ስግኣት ካብ ምሽምቓቕ (Humiliation & intimidation) ጀሚሩ እስካብ ናይ ሂወት ህልውና ዝበፅሕ መጥቃዕቲ እዩ።  እቲ መጥቃዕቲ ብእሱራት፣ ብሓለውቲ፣ ብስሩዕን ዘይስሩዕን መንገዲ ኣቢሉ ክፍፀም ዝኽእል እዩ። ብፍላይ ከዓ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ምስዝፍጠር ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋ ግልፂ እዩ። ስለዝኾነ እቲ ናይ ቃልሲ ኣገባብ እዚ ሓደጋ እዚ ንምውጋድ ብዘኽእል መንገዲ ውን ክቃነ ኣለዎ።

2.  ነቲ ቀንዲ ፀላኢ ነፂሉ ዝወቅዕ ኣንፈት ምኽታል።
ኣብዚ ዘርኢ ናይ ምንፃት ዕላማ ኩሎም ተዋሳእቲ ሓይልታት ማዕረ ተራ የብሎምን። ናይዞም ሓይልታት ኣሰያይማናን ኣሰላልፋን ክንገብር እንተለና ፀላእቲ ብዘብዝሕ መንገዲ ክኸውን የብሉን። ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ፖለቲካዊ ስራሕትና ዝግበር ኣብዚ ጉዳይውን ኣብቲ ቀንዲ ፀላኢዝጠመተ ቃልሲ  ክካየድ ይግባእ። ብተግባር እንሪኦ ከምዘለና ውን ናይ ኣምሓራ ሓልታት ብፍላይ ከዓ ብኢህኣዴግ ሽም ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ተሶኩዑ ዝፀንሐ ቢሮክራትን ብኣዴንን ከምኡ ውን ብወያነ ተሳዕሩ ፎቕድኡ ተበቲኑ ዝፀንሐ ናይድርጊ፣ ኢህኣፓን ጉንቦት7ን ሓይሊን እዩ ቅድሚት ተሰሊፉ ዘጥቅዕ ዘሎ ። ናይ ህግደፍ ላዕለዋይ መሪሕነት እውን ምስዚ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ ተደሚሩ ዝርአ እዩ። እቲ ስልጣን ሒዙ ዝኒሀ ናይ ኦርማራ ጉጅለ ስልጣኑ ንምድልዳል ክብል በዞም ኣብላዕሊ ዝተገለፁ ሓይሊታት ዝግራሕ እዩ። ስለዚ ናይ ኦሮሞ ሓይልታት ኣብጎንና ንምስላፍ ክንገብሮ ዝግበኣና ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ማለት ምድርዳር እውን ሓዊሱ ክነካይድ ኣለና።

3. ናይ ኩሎም ተዋሳእቲ ዓቕሚ ፅንቂቑ ዝጥቀም ኣወፋፍራ
ቅድም ኢሉ ከምዝተገልፀ ውሁድ ኣዋፋፍራ ተዋሳእቲ ንዓወት ዋሕስ እዩ። ተዋሳእቲ ክንብል እንተለና መንገስታትዊ መሓውር፣ ፖለቲካዊ ታርትታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ናይ ሃይማኖት ትካላት፣ ናይሙያ ማሕበራት፣ ኣብ ኩሎም ዓይነት ሚዲያታት ዝነጥፉ ተጋሩንደገፍቲን፣ ሃፋትም ኣብ ፌደራል መንግስታዊ መሓውር ዝሰርሑ ተጋሩን ፈተውትን፣ ኣጋር ሓይልታት ወዘተርፈ ዘካተተ እዩ። ናይዞም ተዋሳእቲ ግደ ተነፂሩ ክዋፈሩ ኣለዎም። ንኣብነት ሓበሬታ ምእካብ፣ ምቅላዕ፣ Lobby፣ ምድርዳር፣ፋይናንስ፣ መሓዙት ምፍራይን ምእካብን፣ ድሕንነት ምርግጋፅ ወዘተርፈዝኣመሰሉ ግደታት ክንፀሩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንኽከውንድማ ነዚ ብፍሉይ ዘተሓባብር መሓውር ብህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ክጣየሽ ኣለዎ።

4.  እቲ ዝለዓለ ናይምድርዳር ዓቕምና ምጥቅቃም
እቲ ዝለዓለ ና ምድርዳርዓቕሚ ክንብል እንተለና ፖለቲካዊ መደራደሪ ነጥቢ ብዛዕባ፡ምጥቃም እዩ። ናይዚ ኣብስልጣን ዘሎ ሓይሊ ቀንዲ ድሌትን (Motive) ተኽእሎን ዝተረደአ መደራደሪ ኣጀንዳ ምንፃርን ምጥቃምን የድሊ። እቲ መደራደሪ አጀንዳ  እዚ ናይ ፖለቲካዊ እሱራት ጉዳይ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለዝኾነ እቲ ናይ መጨረሻ ፖለቲካዊ መማረፂ ማለትውን ህወሓት ካብቲ መሳርሒ ናይድሕረት ሓይልታትኮይኑ ዘሎ ግንባር ንባዕሉ ምግላልን ናይዚ ኣብስልጣን ዘሎ ሓይሊ ሕጋዊ legitimacy ምኽላእን ክኸይድ ኣለዎ።

ብምጥቕላል እዞም ኣብላዕሊ ዝተገለፁ ስልትታት ንኣብነትዝቐረቡ ጥራሕ እዮም። ቀንዲ  ዕላማ ናይዛ ፅሑፍ እውን ስትራቴጂን ስልትን ንምዝርዛር ኣይኮነን። እንታይ ደኣ እቲ ጉዳይ ከም ናይ ትግራይ ድሕንነትን ህልውናን  ስትራቴጂሓደ ኣካል ተጌሩ ክትሓዝ ምፅላውእዩ። ሓደ ሻዕ ከምኣጀንዳ እንተተወሲዱ ብዝዓሞቐን ውሕሉልን ስልትታትን ጥበባትን ክፍፀም ከምዝኽእል ርዱእ ዝገበረ እዩ። እቲ ኣብኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዝተወሳሰበን ብቐሊሉ ዘይትንበይን ስለዝኾነ ኣብ ዕላማ (Cause) ምርድዳእ ንምፍጣርን ኣንፈትንምትሓዝን ክትኮር ይግባእ። ስልትን ጥበብን ናይ ንተዋሳእቲ ሓይልታትክግደፍ ኣለዎ።

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና!!
ብሜጀ ተኽለብርሃን ወ/ኣረጋይ (ዶር)



No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.