Tuesday, May 12, 2020

ኢ-ስብኣዊን ኢ-ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባን ተግባራትን መሪሕነት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ

ኢ-ስብኣዊን ኢ-ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባን ተግባራትን መሪሕነት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሃገርና ኢትዬጵያ ብዘጋጠመ ፓለቲካዊ ቅልውላውን ድክመት መሪሕ ውድብ ኢህወዲግን ተበሊፁ፤ ኣብ 2018 ዓ/ም ናብ ስልጣን ዝመፀ መሪሕነት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ፍፁም ዲሞክራስያዊ ዝኮነ መስርሕ ከምዝክተልን ኣብ ኣተሓሕዛ ስብኣዊ መሰላት ዝነበሩ ጉድለታት ከምዘስተካክሎምን ስልጣን ኣብ ዝተቀበለሉ እዋን ንፓርላማ ኢትዬጵያ ቃለ መሓላ ፈፂሙ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ጉዳይ እዩ።
ኮይኑ ግን ኢቲ ውሽጣዊ ዕላምኡን ድሌቱን ብኣንፃሩ ብምንባሩ ዝሓለፋ ዓመታት ናይ ፀልማት ዘመን ከምዝነበሩ ገሊፁ ንፌዴራላዊ ስርዓት ንምቅያርን፡ ሕገ-መንግስቲ ንምስራዝን፡ ቁልፊ ተልእኮ ሒዙ ብምውፋር ኣብ ምንቅቅስቓስ ይርከብ።
መላእ ህዝቢ ኢትዬጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ እቲ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስቴር ናብ ስልጣን እንትመፅእ ብዝለዓለ ድጋፍ ተቀቢልዎ እዩ። ቅድሚ ምምፃእ እቲ ሓድሽ መሪሕነት ጉጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ሽም ምጥፋእን ፀለመን ከምኡውን ተግራዎት ብመንነቶም ምክንያት ካብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት እታ ሃገር እናተፈናቀሉ ብምፅንሖምን ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ሓድሽ መፊሕነት ተስፋ ሒዙ ዋላኻ እንተነበረ ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ግን ንህዝቢ ትግራይ ብዘይምጥን ኢ-ስብኣዊን ኢ-ዲሞክራስያውን ተግባራት ኣጠናኺሩ ቀፂልሉ እዩ።
ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ዕድመ ስልጣኑ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ስም ምጥፋእን ፀለመ ምክያድን ጀሚሩ እዩ። ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትፅበዮ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኽቡር ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ፀለመን ራዕድን ብምፍጣር ናብ ሰፊሕ ምፍንቃልን ማእሰርትን ተዋፊሩ ይርከብ።
ንምእማን ብዘፀግም ኹነታት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ሐለፍቲ መንግስትን መላእ ህዝቢ ትግራይን ስፊሕ ስነ-ልቦነዊ ጥቅዓት ንምፍፃም ዓሊሙ “ኣዛብእ ቀትሪን ፀጉረ ለወጥን ” ብምባል ስብእና ትግራዎት ብምትንካፍ ካብቲ ካልእ ኢትዬጵያዊ ወገን ንምንፃልን ፅልኣት ንምፍጣር(sick mentality)፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ዘይምትእምማን ንምፍጣር፣ ዝደከመት ትግራይ ንክትህሉ ኣበርቲዑ ፂዒሩን እናፀዓረን ይርክብ መሪሕነት ጉጀለ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ።
ብተወሳኪ ድማ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት ንዝነበሮም በዝሒ ዘለዎም ትግራዎት ብዘይካ መፀዋዕታ ቤት ፍርዲ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ክእሰሩ፣ ፍትሒ ክስእኑን ክንገላትዑን እናገበረ ይርከብ እቲ ብኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ጉጅለ።
ብተወሳኪ ንሕማማት ክዳረጉን፡ ቤተሰቦም ኣብ ፀገም ክወድቁን ገይርዎም ይርከብ።
ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ንምእማኑ ብዘፀግም ልዕልነት ትግራይ ብዝብል ዙንቡዕ ኣተሓሳስባ ቁፅሪ ትግራዎት ሐለፍቶት መንግስቲ ፌደራል ካብ ካልኦት ብሄራት ኢትዬጵያ ከምዝበዝሕን ህዝቢ ትግራይ ልዑል ተጠቃማይ ከምዝኮነን ብምግላፅ ኢትዬጵዊያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ርድኢት ግጉይ ንክኸውንን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ክዘምቱን ዓብይ ፃዕሪ ኣካይዶምን እናካየዱን ይርከቡ።
በዚ መሰረት እውን ብርክት ዝበሉ ኣብ ፌዴራል መንግስቲ ዝነበሩ ትግራዎት ሓለፍቲ ብመንነቶምን ብሄሮምን ጥራሕ ካብ ስርሖም ፍትሓዊ ብዘይኮነ መንገዲ ሰጊጉን እናሰጎጎምን ይርከብ እቲ ዘይሕጋዊ መሪሕነት ጉጅለ ኣብዩ ኣሕመድ።
ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንምዝራግ ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኾይኖም ሕቶ መንነት ራያን ወልቃይትን ንዘልዕሉ ፀረ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንዝኮኑ ሓይልታት ምሉእ ኣፍልጦ ብምሃብ ክዕጠቁን ገንዘባዊ ሓገዝ ንክረኽቡን እናሰርሐ ይርከብ ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ።
ብተወሳኪ ድማ ኢ-ሕገመንግስታዊ ብዝኮነ መንገዲ ነዚ እኩይ ተግባር ክሕግዞ ዝኽእል ኮሚሽን ግዝኣትን ማንነትን ዝብል ዘይሕጋዊ ኮሚሽን ኣጣይሹ ኢዩ።
ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ትግራይ ኣሽሓት መስዋእቲ ኸፊሉ ዘረጋገፆ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕዳራን ንጐኒ ገዲፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንሱ ዝደልዬ መራሒ ክሽይምን ክምድብን ከምዝደሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ ኣባል እቲ ንሱ ዝመርሖ ጉጅለ ወኪል ኣማሓዳሪ ህዝቢ ትግራይ ኣነ እየ ኢሉ ንክዛረብ እውን መንገዲ ኸፊቱን ሓጊዙን እዩ።
እዚ ኩነታት እንታይነትን ድሌትን ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ፍንትው ኣቢሉ ዘርእየና ጉዳይ እዩ።
ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ እንተርኢና እውን ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብምህሳይ ህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ ማእለያ ዘይብሎም ሽርሕታት ፈፂሙን እናፈፀመን ይርከብ።
ንኣብነት ንምጥቃስ ፕሮጀክት ምድሪ ባቡር ወልድያ- መቀለን፤ ፕሮጀክት ፓርክ ባዕኸርን ብሕፅረት ባጀት ኣሳቢቡ ክቋረፁ ገይሩ ይርከብ። ብተወሳኪ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ናብ ትግራይ ዝወሰድ መንገዲ ብምዕፃውን ናብ ትግራይ ዝሓልፍ ዝኾነ ዓይነት ጥረ -ኣቁሑት ንኽዝረፉ ኣተሓባቢሩን እናተሓባበረን ይርከብ ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ።
ጉጅለ መሪሕነት ኣብይ ኣሕመድ እቶም ልዕል ኢሎም ዝተጠቀሱን ካልኦት ኢ-ስብኣዊንኢ-ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስባን ተግባራትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙን እንፈፀመን ይርክብ።
ኣብይ ኣሕመድን ንሱ ዝመርሖ ጉጅለን ኢ-ስብኣዊን ኢ-ዲሞክራስያውን ኣተሓሳስብኦምን ተግባሮምን ብዘይዋዓል ሕደር ጠጠው ከብሉን ንጥፍኣቶም ተሓተትቲ ንምግባርን ዘይተሓለለ ቃልስን ፃዕርን ኣገዳሲ እዩ።
ብምኻኑ እውን ድሕነትን ፍትሕን ንትግራዎት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ንዝርከቡ ትግራዎት ብምትሕብባር ምስ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ብሓባር ብምኻን ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሐደጋ ንምፍጣር ዝህንደድ ዘሎ መሪሕነት ጉጅለ ኣብዩ ኣሕመድ ንምቅላስ ሰፋሕትን ዝተወዳዱን ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ።
ንፍትሕን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣድላይ ዘበለ ቃልሲ ክነካይድ ኢና።
ድሕነትን ፍትሕን ንትግራዎት ኣብ ኢትዮጵያ(ድ.ፍ.ት.ኢ)
Washington D.C