Tigray Media
- Home
- Articles of Incorporation
- SJT Bylaws
- Action Plan
- Working Document
- Minutes
- Media and Communication
- SJT Website
- SJT Facebook
- SJT Twitter Campaign
- Human Rights Violations
- Related News
- Prisoners Issues
- Abductees Issues
- Boundary Issues
- SJT Petitions
- Events
- Letters
- Documentary Videos
- Peace & Justice Issues
- Biases Against Tigreans
- PM vs. Tigray
- Articles
- Urgent Messages
- Media Biases
- Interviews
- Statements/መግለፂ
- Human Rights Reports
- Mekete COIVID-19 Tigray
- Disclaimer
- Privacy Policy
- TMH Tv
- Tigray
- Felema ENT Link
- Digital Woyane FB
- HRLHA Facebook
- ወፍሪ ሓርነት
- GLA
- ICG
- Informative Videos
- COIVI-19 Symptoms
- Migrants Crisis
- Guidelines On Lobbying
- Tigray Press
- Contact Us
- TMMA YouTube
- Dedebit Media
- Aigaforum
- Tghat Website
- Hakfen Media
- Human Rights Watch
- ADP
- Martin Plaut News
- United Nations
- #TigrayWillPrevail
- IRROB
- Amnesty International
- ICC
- ICJ
- International Criminal Court
- Dimtsi Weyane FB
- EuroNews
- Devex News
- Geez Media FB
- CNN on Tigray
- Worldwide Protests Videos
- Rule of Law Operations
- BBC: Tigray-Crisis
- East Africa View FB
- Euro News
- TMH Facebook
- Edmond Berhane YouTube
- ATV
- The Tigray Intercept
- France 24
- UNICEF Ethiopia
- Wurayna Magazine
- OMNA Tigray News
- Tigrai Tv
- Tigrai HUB
- Geez Show
- SJT YouTube
- War on Tigray
Tuesday, March 2, 2021
Monday, March 1, 2021
Sunday, February 28, 2021
Saturday, February 27, 2021
ዓገብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ በደል
Published: 25 February 2021
“ሰብ ኣብ ውግእ እተዓጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዓለሰ ኽዳንን ኪነድድ፡ ሓዊ ድማ ኪበልዖ እዩ (ኢሳ. 9፡5)።
መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት
25 የካቲት 2021 (የካቲት ፲፰, ፳፻፲፫ ዓ.ም ግእዝ)
ብስም ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ፩ደ ኣምላኽ ኣሜን።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመንግሥቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፥ “ውግእ ሰብ እዩ ዝቕለብ፥ ስለዚ፥ ኲናት ደው ክብል፥ ብምርድዳእን ልዝብን ክፍታሕ: መንግሥቲ ኤርትራ ድማ ኣብ ዘይምልከቶ ዶብ ተሳጊሩ ምስ ኃዉ ዝኾነ ሕዝቢ ትግራይ ውግእ ከይገብር መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ ነይሩ እዩ [Link]።
መጸዋዕታ ቤተክርስቲያን ሰማዒ ስለዝሰኣነ ግና እንሆ ውግእ ቀጺሉ። ከም ውጽኢቱ ድማ ወገሐ ጸብሐ ንሰማዒኡ ዘሰቅቕ ህልቂትን ግፍዕን ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ይፍጸም ኣሎ። እንሆ ኸኣ እቲ ኲናት ደው ብዘይምባሉ፥ ሞት ኣሽሓት ሰላማዊ ህዝቢ፥ ግፍዕን ዕንወትን ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽልን ሰብ ይጸንትን ምህላዉ ብመራኸቢ ብዙኃን መዓልታዊ ይጋዋሕ ኣሎ።
ሕዝቢ ኤርትራ፥ ብባህሉ ደምነት ዝጽየፍ፥ ፈሪሓ እግዚኣብሔር ዘለዎ ክራስን ክዕምጽንስ ይትረፍ፥ ከይልምን ጾሙ ምሕዳር ዝመርጽ፥ ሰማይ ሃገረይ ኢሉ ዘንቃዕርር፥ “ናይ እዝጊሄር” ኢሉ ዝምሕል ቅዱስ ታሪኽ ዘለዎ ሕዝቢ እዩ። እቲ ንመሰሉን ሓርነቱን ልዑል ዋጋ ዝኸፈለ ሕዝቢ ኤርትራ ገናውን በሰላኡ ዘይሓወየን ናይ ዝተቓለሰሉ ትምኒቱ ዘይረኸበ ሕዝቢ እዩ። ሕዝቢ ኤርትራን ሕዝቢ ትግራይን፥ ኣብ ክልተ ሃገር ዝነበር ጎረባብቲ ጥራይ ዘይኮነስ ኣኅዋት ሕዝቢ እዩ። ስለዚ ድማእዩ ነቲ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ምንባር ተሓሪምዎ መረበቱን ዓዱን ገዲፉ ብጥይት ኣኅዋቱ እናተሃድነ ዘምለጠ መንእሰይ፥ ሕዝቢ ትግራይ ተቐቢሉ ዑቅባ ሂብዎ። እዚ፥ ዋላ እቶም ኩናት ዘወልዑ መራሕቲ ኣይቀበልዎ እምበር: ጊዝያዊ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ሰጊሩ ንሰናይ ጉርብትና ክልቲኡ ህዝቢ ዘዕምብብ፥ ሃገራዊ ይኹን መልክዓ ምድራዊ ዶብ ዘይዓግቶ ታሪኻዊ ምትእስሳርን ፍቕርን ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ዘጉልሕ ሓቂ እዩ።
ኣብዚ ብፈደራላዊ መንግሥቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ውግእን ዝተፈጸመ ገበን፥ ዘስካሕክሕ ተግባር እዩ። ስለዚ፥ እቲ ኩሉ ዝተፈጸመ ገበናት፥ ዕንወትን ህልቂት ንጹሃን ሰባትን ብዘይ ሻራዊ ወገን ክጻረ እናተማሕጸንና፥ ሃገረ ስብከት ነዚ ዝስዕብ መጸዋዕታ ዳግማይ የቕርብ።
1. እቶም ኣብ ዘይምልከቶም ኵናት ተገዲዶም ብምእታው ዝሃልቁ ዘለዉ ዕሸላት መንእሰያት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ክወጹ ንጽውዕ፥ ህዝቢ ኤርትራን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ድማ ንመንግሥቲ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብረሉ ንሓትት።
2. ብዝኾነ ኣካል፥ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ዝፍጸም ገበን፥ ብርሰት ታሪኻዊ ቅርስታትን ጥንታውያን ገዳማትን፥ ዕንወት ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ቅትለት ካህናትን ሰላማዊ ህዝብን፥ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣትሪርና ንኹንን።
3. እቲ ክቡር ዝኾነ ሰብኣዊ ክብርታትን ባህልን ጽኑዕ እምነትን ዝሕላገቱ ሕዝቢ ኤርትራ፥ ይትረፍ ንብረት ዓመጽን ራስያን፥ ተበዲሉ ዝተበየነሉ ካሕሳ ዘይበልዕ በዓል ሕልና፡ “ንብረት ብጻይካ ኣይትመነ” ንዝብል ትእዛዝ-ኣምላኽ ኣኽቢሩ ዝኸይድ ሕዝቢ እዩ። ስለዚ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፥ ካብዚ ዝበሃልን ዝውረን ዘሎ ንብረት ሓራም፥ ዝኾነ ነገር ከይቅበል፥ ከይገዝእን ከየልዕልን ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንጽውዕ። ኣብ ንብረት ሓራም ንዝሳተፍ ዘበለ ኩሉ ንኹንን።
4. ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ዝርከቡ ኤርትራውን ዝግበር ዘሎ ጭውያ፡ ማእሰርትን ቅትለትን ክጻረ፥ ማሕብረ ሰብ ዓለም ብኣድማሳዊ ሕጊ ስደተኛታት መሰረት፡ ጉዳዮም ክከታተልን ነቶም ብህይወት ዝተረፉ ድማ ብዛዕባ ድሕነቶም ውሕስነት ክግበረሎም ንጽውዕ።
ነዚ በዚ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ዝሓልፍ ዘሎ ኣሕዋት ሕዝቢ ትግራይን ሕዝቢ ኤርትራን፥ ማሕበረ ሰብ ዓለም ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዝን ንኽገብረሉ መጸዋዕታ እናቕረብና፡ ኣብ ጊዚ ጸበባና ክረድእ ዝከኣሎ ኣምላኽ ረድኤቱ ክህቦም ወትሩ ኣብ ጸሎትና ንዝክሮም።
ኣምላክ ሰላም፥ ንዞባናን ንዓለምን ሰላሙ ይሃበልና።
መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።