Thursday, July 9, 2020

ውድበይን መንግስተይን ተስፋይ ኣባኻ እዩ!!

ውድበይን መንግስተይን ተስፋይ ኣባኻ እዩ!!

ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣሓትን ኣነ ካብቶም ኣብ 1977 ዓ.ም (1985 ኣ. ኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጥሙ ዝነበረ ክብድ ሓደጋ ድርቂ ኣብ ቀልቀል ሞት ካብ ዝነበሩ ልዕሊ 300 ሺሕ ተጋሩ ሓደ እየ :: ብመርሕነት ውድበይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝተወደበ ስደት ብእግሪ ጉዕዞ ኣብ ሱዳን ከይዶም ካብ ሓደጋ ሞት ድሕኖም ክሳብ 8ይ ክፍሊ ብዝተምሃሩ ስደተኛታት ክሳብ 2ይ ክፍሊ ተማህረ ድሕሪ ክልተ ዓመት ንትግራይ ዓደይ ተመልሰ :: ውድበይ ኣብቲ ግዜ እቲ ኢትዮጵያ እትባሃል ሃገር ናይ ባዕላ መንግስቲ ኣለዎ ኣብ ዝባሃለሉ ግዜ ካብ ሓደ ዓማፃይ ውድብ ዘይትፅበዮ ህዝባዊነት ዝተላበሰ ወለዶ ናይ ምድሓን ሰርሓ ኩሉ ዝኾርዓሉ ብፍላይሞ ሰለባ ናይቲ ደርቂ ዝነበርና ተጋሩ ዘይርሳዕ ውለታ:: ከማይ ህዝብን መንግስቲን ሱዳን ተጋሩ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብመንነቶም ካብ ክልል ኣምሓራ ድርብ በደል ኣብ ዝበፅሖም ግዜ ንተጋሩ ተመዛበልቲ ዘርኣዮ ሓልየትን ሰብኣዊነት ዝተላበሰ ተግባርን ካብ ቅድሚ 35 ዓመት ትግራዋይ ዘርኡ ከይጠፍእ ዝገበርዎ ተግባር ዘላኣለም ኣብ ልቢ ትግራዋይ ብደማቕ ቀለም ተፃሕፉ ዝነብር ታሪኽ እዩ:: ከም ግለይ ሎሚ ውን ውድብን መንግስትን ክልልና ማለትውን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ የመንን ስዑዲ ዓረብያን ዝሳቐይ ዘለው ጉዳይ ስደተኛታት ትግራይ ብመንግስቲ ፈደራል ክፍታሕ ትፅብት እንተዘይገብር ይምረፅ :: ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጠቅላይ ሚንስተር ኣብቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ፖርላማ ተሓትቱ ዝሃቦ መልሲ ንኻልኦት ስደተኛታት ሰብኣዊነት ተሰምዕዋ ዕቕባ ብምሃብ ብኣብነት ናይ እትግለፅ ሃገር መራሒ ዜጋታቱ ዝፅየፍን ዘላግፅን ፍፁም ሰብኣዊነት ዘይስምዖ ምኻኑ ብግልፂ ኣርእዩ እዩ:: ስለዚ ብሄራዊ ክላዊ መንግስቲ ትግራይ ሕጂ ውን በቲ ናይ ቁርፂ እዋን ወገና ዝኾነ ህዝቢ ሱዳንን እቶም ኣብ ዓለም ዝነጥፉ ዘለው ዓለም ለኻዊያን ሰብኣዊያን ትካላትን ምርድዳእ ብምግባር ናብ ዓዶም ክምለሱ እንተዝግበር:: እንተ እቲ ኣብ ፈደራል ዘሎ ሓይሊ እዞም ስደተኛታት እንተመልስናዮም ንትግራይ ዝሰልጠነ ወታደር ኣዕጥቕኻ ከም ምርካብ ከም ዝሓስቦ ካብ ናይ ሰብ ህይወት ምድሓን ንላዕሊ ጉዳይ ስልጣኑ ከም ዘጨንቖ ካብቲ መደረኡ ምርዳእ ይካኣል:: ውድበይ መንግስተይን ካልኦት ዝምልከተኩም ኣካላትን ጉዳይ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ንምውፃእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ዝካኣለኒ ንምግባር ድልውነተይ እንተረጋግፅ ካልኦትና ውን ነዞም ናይ ትግራይና ሃፍቲ ተረከብቲ ሕድሪ ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ መናእሰያትና ህይወት ናይ ምውሓስ ድጋፍን ፃዕሪን ኩላህና ዝጠልብ እዩሞ ኣብ ጉኒ ነዚ ጉዳይ ምስ ዝሰርሑ ትካላት ብምኻን ሓላፍነትና ክንዋፃእ ፃውዕተይ የቕርብ ::
ወደሓንኩም

ኣባይርጋ ኮሮ እየ ወዲ ራያ


No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.