Saturday, November 28, 2020

ሐዚ ኣብ መሬት ዘላ ሓቂ .

 ሐዚ ኣብ መሬት ዘላ ሓቂ . . .

መቐለ ኣይሓዙን - ፃዕዳ ሓሶት እዩ። እቲ ሓቂ ህዝቢ ዓለም ከይፈልጥ ኩሎም መንገድታት መራኸቢ ሓፋሽ ዓፊኖም ንህዝቢ መቐለ ክድብድቡዎ ውዒሎም። ንህዝቢ መቐለ ምድብዳቦም ልክዕ ከም ዘይኮነ ብማሕበረሰብ ዓለም ይበፅሖም ዘሎ ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጀንዳ ንምቕያር ድማ ብድፍረት "መቐለ ተቖፃፂርናያ" ዝብል ዜና ሓሶት ሰሪሖም የጋውሑ ኣለዉ። 

እምበር ዝኣተወ ወታደር የብሎም ፣ መቐለ ኮይኑ ዓወት ዘበሰረ ጀነራል የብሎም ፣ መቐለ ኮይኑ ዝፀብፀበ ጋዜጠኛ የብሎም - ኩሉ ሓሶት እዩ። ስነ ልቦና ናይቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘሎ ሰብ ብቀሊሉ ምጉዳእ ከም ዝከኣል ስለ ዝተረድኡ ግን ተመኻኺሮም ክሕስዉ ወሲኖም። ከም ሓሳቦም ድማ እነሆ ቡዙሕ ናብ ጭንቅን ሻቕሎትን ኣትዩ ብቐሊሉ ዝንካእ ምዃኑ ኣርእዩዎም። 

ካብዚ ወፃኢ ግን. . .

ሐዚ መቐለ ከምተን ካልኦት ከተማታት ትግራይ ማዕረ ኣብ እትረአየሉ ኩነታት በፂሕና ኢና። መቐለ ምእታው ይኹን ምቁፅፃር ኒቲ ቃልሲ ክዛዝሞ ወይ ጠጠው ከብሎ ከም ዘይኽእል ግልፂ ኮይኑ እዩ። እኳ ደኣስ መቐለ መፈለምታ ቃልሲ መሉእ ናፅነት ትግራይ ትኸውን ኣላ። 

ስለዚ እቲ ቃልሲ ካብ ምክልኻል ናብ ዘየሰክፍ ኩለመዳያዊ ናይ መጥቃዕቲ ምዕራፍ ንኽንሰጋገር ዘኽእል ወርቃዊ ዕድል ፈጢሩ እዩ። ዛጊድ መንግስቲ ትግራይ ሓደጋ ንምቕናስ ክብል ኣብ ከተማታት ውግእ ከየካየደ እዩ ኣብዚ ተበፂሑ። ንሳቶም ድማ ከተማ ብዝኣተዉ ቁፅሪ "ተቖፃፂርና" ብዝብል ዜና እናቃልሑ መፂኦም። ሎሚ እውን እታ ናይ መቐለ መቐፀልታ ናይ እዚኤን እያ። እቲ ጉዳይ ግን መቐለ እንተዝኣትዉ ኸ ቃልሲ ተወዲኡ - ንሶም ከ ስዒሮም ማለት ድዩ? . . .ሓቢርና ንሪኦ!

ኣብዚ ሞንጎ እዚ ተኣምራዊ ስርሒት ገድሊ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣድንቑ። ተኣምር እዩ ዝስራሕ ዘሎ ተኣምር - መሬት ትግራይ ብልክዕ መቓብር ፀላእቲ ትኸውን ኣላ። ሬስኡ ክኣሪ ዕድል ዘይረኸበ ዕሱብ ሰራዊት ኣብ መሬት ትግራይ ከም ዕንፀይቲ ተፀፍፂፉ ሕሱር መስዋእቲ ኣብ ምኽፋል ይርከብ። እመኑኒ ክንዕወት ምዃንና ኣይትጠራጠሩ!

ሐዚ እውን ቃልስና ሓፂርን መሪርን እዩ!

ዓወትና ናይ ግድን እዩ!

ትግራይ ትዕወት!

No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.