Wednesday, March 10, 2021

"ብ/ጀነራል ሃ/ስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ) ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ንTMH ካብ ዝተዛረቦ:-

 "ብ/ጀነራል ሃ/ስላሴ ግርማይ (ወዲ እምበይተይ) ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ንTMH ካብ ዝተዛረቦ:-

====================
ብ The Tigray Intercept
- ትግራይ ከምቲ ብዝፍለጥ ብናይ ህዝቢ ትግራይ ጥፍኣት ክነብሩ ዝደልዩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ወረርቲ ሓይልታት ወራር ከፊቶም ኣለው : ህዝቢ ትግራይ ድማ ንህልውንኡ ክብል ቀትርን ለይትን ነዞም ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ንምድምሳስ ዓጢቑ ኣብ ምምካት ይርከብ ኣሎ:: ትግራይ ናይ ዓውዲ መኸተ ማእኸል ኮይና : ንፀላእቲ ረመፅ ኮይና እናበልዐቶም እያ ትርከብ ዘላ::
- ህዝባዊ መትከል የብሎምን : ኩሉጊዜ እዩ ዝገላበጥ እቲ መልሓሶም : ኣጥፊእናዮም ኢና ወዲእናዮም ኢና ይብሉ ነይሮም : ሐዚ ድማ ተገልቢጦም ብናይ ባዕሎም ኣንደበት ሓመዶም ነጊፎም ተላዒሎም ኣለው እዮም ዝብሉና ዘለው:: (ንኣብይን ተልእኣኽቱን)
- ንሳቶም ንህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን (ናይ ሻዕብያ : ሶማልያ : ኣምሓራ : ብልፅግና) ናብ 60ን ካብኡ ንላዕሊ ክፍለ ጦራት ብኹሉ ኣንፈታት እዮም ውሕጅ ኣፍሲሶምሉ ነይሮም:: እዞም ሓይልታት እዚኣቶም ኣብ ጭንቀት ኣትዮም እዮም : ከመይ ኢሉ ንዝብል ንባዕሎም ይግለፀሎም እዩ ዘሎ::
- ሰራዊት ትግራይ ድማ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ተጠናኺሩ ንዕኣቶም ንምድምሳስ ዘኽእል ሙሉእ ቁመና ሒዙ ይርከብ ኣሎ እዩ:: ህዝቢ ትግራይ እውን ብዝገበሮ መሪር ቃልሲ ደቁ ኣሰሊፉ : ደቁ ሰልጢኖም ዓጢቖም ሙሉእ ቁመና ሒዞም ኣብ ዝደለይዎ ሰዓት ነዞም ወረርቲ ሓይልታት እዚኦም ንምጭፍላቕ ዘኽእሎም ሙሉእ ቁመና ሒዞም እዮም ዝርከቡ ዘለው::
- ናይ መውዳእታ ማለት ኣብ ትግራይ ዘለው ዝቕበሩላ : ዝተረፉ እንተልዮም ድማ ንትግራይ ምልስ ኢሎም ገፆም ዘይርእዮላ ኩነታት ምፍጣር እያ:: ትግራይ ካብዚኦም ሓራ ምውፃእ ማለት እያ::
.
ደቡባዊ ግንባር ብዝምልከት
- ፀላእትና ብኹሉ ኣንፈት ሓይሎም ኣሰሊፎም ኣብኡ ንዘሎ ሓይልና ናይ ምቕባር መደብ ሒዞም ተንቀሳቒሶም ነይሮም : ግን ኩሉ ጊዜ ይጅምርዎ እምበር ናይ ምፍፃም ብቕዓትን ዓቕምን የብሎምን::
- በቢ ዝመፅዎ ኣንፈት እናተመከቱ ገሊኡ ንዓፋር ገፅ ዝሃድመሉ ዝበታተነሉ : ገሊኡ ድማ ዝኸድዐሉ : ገሊኡ ኣብዘዘለዎ ጠጠው ዝበለሉ : ገሊኡ ድማ ንድሕሪት እናተመለሰ ዕጥይጥይ እዩ ዝብለሉ:: ነቲ ዘጥቕዐ ሓይሊ : ብጣዕሚ ከቢድ ፀረ መጥቃዕቲ እዮ ዝፍፀሞ ዘሎ::
ቁመና ሰራዊት ትግራይ ብዝምልከት
- በቲ ናይ ውግእ ኣካይዳ ኣብ ኩሉ ቦታ ንዝተበተነ ሓይሊ ፀላኢ ናብ ኩሉ እኹል ሓይሊ ኣይትምድበሉን:: ኣፍቲ ዝተመረፀ ዋና ናይ ፀላኢ ሓይሊ : ዋና ሓይልኻ ኣረባሪብካ ንዕኡ ሰይርካ ብምድምሳስ : እቲ ኻሊእ ክናጋዕን ናብ ምድምሳስ ክጋለፅ ምግባርን እዩ::
- ስለዚ ናብ ኩሉ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ከምቲ ፀላእቲ ሓይሎም ዘጥለቕልቕሉ ዘለው : ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ሓይልና ክነጠቕለቕልቕ ዘግብር ኣካይዳ ኣይንኽተልን:: ከም ወታደራዊ ወፍሪ እውን ዝምረፅ ኣይኮነን:: ዘለካ ሓይሊ ብቑጠባ ብምጥቃም ኣፍቲ ዝመረፅካዮ ቦታ : ኣብ ዝመረፅካዮ ጊዜ እቲ ዝለዓለ ሓይልኻ ኣረባሪብካ ነቲ ዝልዓለ ሓይሊ ብምድምሳስ ንኻልኦት ንድምሰሳ ክቃልዑ ምግባር ስለዝኾነ : ህዝቢ ትግራይ ክርድኦ ይግባእ ኣወፋፍራና ከምኡ እውን ምንቕስቓሳትና:: ፀላእትና እውን እዚ ኣፀቢቖም እዮም ዝፈልጥዎ : ሓደ ናብ ጭንቂ ዘእትዎም ዘሎ እውን እዚ እዩ::
- መሬት ትግራይ ብሰራዊት ትግራይ ክትሽፈን እያ ማለት ኣይኮነን:: እቲ ዋና ነገር : ዋና ወቓዒ ሓይሊ ኣለዋ ሐዚ ትግራይ::
ምሩኻት ብዝምልከት
- ኣፍቲ መጀመርያ ከባቢ እቲ ወራር ክጅመር እንተሎ እቶም ዝተማረኹ ወትሃደራት : ኣንበጣ ስለዝሎ ኣንበጣ ክተጥፍኡ ተባሂልኩም ኢና ከካብ ወፍርና ተኣኪብና እዮም ዝብሉ : ኣብዚ ምስመፃና እቲ ዝተነገረናን ኮይኑ ዝረኸብናዮን በበይኑ እዩ ይብሉ::
- እቲ ኻልኣይ ነገር : ሕግን ስርዓትን ክተኽብሩ ኢኹም መፂእኹም : ዝተወሰኑ ዝሸፈቱ ኣለው ነዚኦም ኣሪኹም ክተምፅኡ ኢኹም ተባሂልና ዝብሉ እውን ኣለው:: ኣብዚ መፂእና እንተርኣናዮ ግን ውሑዳት ዝሸፈቱ ጉጅለታት ዘይኮኑስ : ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፅክዎ መንግስቲ እየ ክመሓደር : ንስኹም ዝመረፅኩምልናን ዝወከልኩምናል ኣይኮናን ንቕበል ዝብል ኩሉ ከም ሓደ ድምፂ ወያነ እዩ ኾይኑ ዘሎ : ስለዚ ንምንታይ ኢና ንወግእ ዝብል ሕቶታት እንተልዐልና እውን ቀፅሉ ኢና ንብሃል : ምስ ፀላኢ ንምንታይ ንወግእ ኣለና እንተበልና ኣይምልከተኩምን ናይ መንግስቲ ጉዳይ እዩ እናተብሃልና በቢኸባቢኡ ንፅረፍ ንእሰር : ክንደይ ስቃይ ይበፅሐና እዮም ዝብሉ::
ናይ ሻዕብያ ሰራዊት ብዝምልከት
- ዓበይቲ ጀነራላት ናይ ሻዕብያ ዝሞቱ ኣለው : ናይ PP ምሩኻት እውን ኣለው:: ናይ ሻዕብያ እቲ ሰራዊት ናይ ምውፃእ ድሌት ኣለዎ : እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ድማ ኣብ ትግራይ ምፅናሕ ከም ናይ ሃፍቲ መአከቢ መንገዲ ገይሮም ይወስድዎ ኣለው:: ካብ ክፍለጦር ንላዕሊ ዘለው መራሕቲ ናይ ምውፃእ ድሌት የለን:: ኣብ ትግራይ ኮይንካ : ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብን ሃፍትን ኣጥፊእኻ : ትግራይ ካብ ትግራይ ብፂሒትካ መሬት ቆሪስካ ናይ ምውሳድ ሕልሞምን : ናይ ገዛእቲ ኤርትራውያን ህልውንኦም ዝውሰን : ስልጣኖም ዝሰፍሕ : ሃፍቶም ዝዓቢ ትግራይን ተጋሩን ኣጥፊእኻ በቲንካ ስለዝኾነ ስትራተጂኦም ናይ ምውፃእ ሕልሞም ዓብይ ኣይኮነን::
- ስለዚ እዚኣቶም ኣፍታ ዝኣተውዋ ክቕበሩ ገይርካ ተዘይኮይኑ : እዚኦም ብናይ ባዕሎም ድሌት ትግራይ ለቓቖም ክወፅኡ እዮም ዝብል እምነት የብለይን:: እዚ ናይ ሰራዊት ትግራይ ገምጋም ኣይኮነን : ናይ ከባቢየይ ትዕዝብቲን ካብኡ ተበጊሰ ዝበፅሖ ዘለኹ መደምደምታ እዩ::
ኣብ ህዝብና ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ ብዝምልከት
- 3 ዓይነት ግፍዒ እዩ ዝፍፀም ዘሎ:: እቲ ሓደ ካብ ወዲ 7 ዓመት ንላዕሊ ዕድመ ዘሎ ብናይ ወያነ ኣተሓሳስባ ዝተጠመቐ ስለዝኾነ ክዉገድ ዘለዎ እዮም ዝብልዎ:: እቲ ካልኣይ ኣብ ንብረቱ እዩ : ፈርኔሎን መሽረፈትን ዘይቀረየ ንዓዶም የጏዕዝዎ ኣለው:: እቲ ሳልሳይ ድማ ሃፍቲ ናይ ምድምሳስ ስራሕ እዩ::
ደጀንና ብዝምልከት
- ኣብ ፅቡቕ ወታደራዊ ቁመና ንርከበሉ ምኽንያት ናይቲ ደጀን ውፅኢት እዩ:: እቲ ደጀን ደቁ ይሰድድ ኣሎ : ይዕለሙ ኣለው : ይስልጥኑ ኣለው : ይዕጠቑ ኣለው : ሓሪኖም ንመኸተ ተዳልዮም ኣለው : ኣጠቓላሊ መምርሒ ይፅበዩ ኣለው:: እዚ ናይቲ ደጀን ውፅኢት እዩ:: ነዚ ኹሉ ሓይሊ ብኢኮነሚ : ቀለቡ : ኽዳኑ እቲ ደጀን እዩ ዝኽእሎ ዘሎ:: እቲ ገጠርን እቲ ከተማን ተኣሳሲሩ እዩ::
- ስለዚ እቲ ደጀን ልዑል እዩ : ውዑይ እዩ:: ክንዲ ዝደለናዮን ዝጠለብናዮን የቕርበልና ኣሎ:: ህዝባዊ ኩናት ስለዝኾነ : እቲ ህዝቢ ድማ ንህልውንኡ ከም ሓደ ሰብ ኮይኑ ምስ ሰራዊቱ ተኣሳሲሩ ተሰሊፉ ዘሎ:: ነዚ ድማ እዩ ህዝባዊ ኩናት ዘብለና ዘሎ:: ሰራዊትና እውን ከይተሸገረ ናብ ዝልዓለ ውዳበ ክበፅሕ ገይርዎ ዘሎ ናይቲ ደጀን ምጥንኻርን ነኒባዕሉ ምትእስሳርን እዩ::
ባንዳታት ብዝምልከት
- ናይ ፀላእቲ ድሌት ስለንፈልጥ ክንሳኽዕ ስለዘይብልና ስጉምቲ ኣየስፋሕናዮን:: ሕድሕድ ዝበደለ እናእተና እንተጥፊእናዮ ተመሊሱ ፀላኢ ዝደልዮ ዘሎ መደብ እዩ ዝዕወት ዘሎ::
- እዞም ባንዳታት ሎሚ እንተደንቆሩ ፅባሕ ክነቕሑ እዮም ብዝብል እዩ ትዕግስቲ ዝግበረሎም ዘሎ : እምበር ኩሉ ኣብ ጥቕኡ : ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ከባቢ እኹል ሓይሊ ኣሎ:: ካብ ሓውዜን : ዓድግራት ስጉምቲ ክምሃሩ ይግባእ:: ሓደ ክምለሱ እዮም : ካልኣይ ድማ ናይ ፀላኢ መደብ ከይሳኻዕ ከይንተሓባበሮ ንፀላኢ (በባዕልና ምድማይ) ዝግበር ዘሎ ትዕግስቲ እዩ:: ትዕግስቲ ድማ ወሰን ኣለዎ::
- ነቲ ትዕግስቲ ትርጉም ዘይህቡ ሰባት እንተልዮም ድማ ሐዚ እውን ሕልፍ ሕልፍ ኢልካ ክግበር ዝኽእል ስጉምቲ ንምውሳድ ምንም ዓይነት ፀገም (ሽግር) የብልናን:: ኩሉ ኣብ ኢድና እዩ:: መላእ ግፍዐኛ ካብዚ ተገንዚቡ : ክምሃር ኣለዎ ኢና ክንብል ንደሊ::
መልእኽቲ ንኹሉ ትግራዋይ
- ሰራዊት ትግራይ እቲ ዝወደቦ ዓቕሚ ናብ ዝልዓለ ዓቕሚ ንምስግጋር ኣብ ሙሉእ ምድላው እዩ ዝርከብ : ምድላዋቱ እውን እናጠናቐቐ እዩ:: እዚ ምድላው ንምሕያል ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ (ዝጠፍእ ዘሎ) ጊዜ ንሰራዊትና ብትዕግስቲ ክፅበዮ : ከይሽኩል:: እንተሸኩልና እንተይተዳለና ከይንውድኦ ስለንኽእል : ዘየናስሕን ዘየዳግምን ምድላው ኢና ንገብር ዘለና::
- ብኹሉ ገፅ ጠቕላላ ፀላኢ ዘቃብፅ ምድላው ኢና ንገብር ዘለና:: ወታደራዊ : ፓለቲካዊ : ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን... ኩሎም ዓቕምታትና ኢና ነዋህዶም ዘለና::
- ስለዚ ክዕገሰና ጊዜ ክህበና ጥራሕ ዘይኮነ ኣፍቲ ምድላው ንኽሕይል : ዝድለ ዓቕሚ ፈጢሩ ንኽወፅእ ኩሉ በቢዘለዎ እቲ ጀሚርዎ ዘሎ ህዝባዊ ደገፍ : ሓበሬታ ደገፍ : ፋይናንስ ደገፍ : ማተርያል ደገፍ : ውላድ ክስለፍ ናይ ምግባር ደገፍ : እዚኦም ኩሎም ተጠናኺሮም ነቲ ምድላውና ንምሕያል ብፅሒቱ ሐዚ እውን ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል::
- ኣብ መወዳእታ ወረርቲ : ወረርቲ እዮም:: ሬስኦም ኣብ ዓዶም እውን ኣይቕበርን : ዓዲማቶም እዩ ክቕበር:: ወራሪ ኩሉ ጊዜ ክወርር እንትኸድ ዓዲማቱ እዩ ዝቕበር : ሬስኡ ቅዱስ ኣይኮነን:: ቅዱስ ስለዘይኮነ ናይ ኣሞራ : ዝብኢን ቡኻርያን ቀለብ እዩ ዝኸውን:: ናይ ኣኽላባት ቀለብ እዩ ኮይኑ ዘሎ::
- ስለዚ እዞም ወረርቲ ሓይልታት እዚኣቶም ሐዚ እውን ከምቲ ቅድም ክብል ክቡር መራሒና ዝገለፅዎ "ኣብ ትግራይ ዝኣተወ ሓይሊ : ኣብኣ እዩ ተቐቢሩ ክተርፍ" : ኣብኣ ተቐቢሮም ንኽተርፉ ዝግበር ዘሎ ርብርብ ገዚፉ ኣሎ : ሐዚ ድማ ጀሚርዎ ዘሎ ኩሉ ኣጠናኺሩ ኣብ መወዳእትኡ ንኽበፅሕ ደገፉ ንኽቕፅል መልእኽተይ ከሕልፍ ይደሊ::
- እቲ ዋና ናይ ፀላኢ ሓይሊ ሰይርናዮ ኢና : ማእኸል ሰራዊቶም ናይ ኩሎም ሰይርናዮ ኢና:: ሐዚ ህፃውንቲ ቆልዑ እናገፈፉ እዮም ዘውድኡ ዘለው:: መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ደቁ ካብ ናይ ወራር መሳርሒ ከድሕን : ደቁ ካብ ጥፍኣት ከናግፍ ኩሉ ክገብሮ ዝግባእ ቃልሲ ክገብር ኣለዎ ይብል::"
1 Share
Like
Comment
Share

No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.