Monday, July 12, 2021

ቦርድ ኣመራርሓ ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ

 ኲናት ኣብ ዝካየደሎም ቦታታትን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይን ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ቦርድ ኣመራርሓ ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ ገሊፁ። 

-------------

ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ተኣውጅዎ ብሓደ ገፁ ኣብ ትሕቲ ግፍዕን ቃንዛን፣ ብኻልእ ገጹ ድማ ኣብ ሕራነ ዝተመልኦ ሓርነታዊ ቃልስን ይርከብ። ብስርሒት ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዓብይ ዓወት ዝተረኽበ እኳ እንተኾነ፣ ሕዚ እውን ትግራይ ካብ ፅእቲ ናፃ ኣይወጸትን፣ እቲ ውግእ እውን ቀፂሉ ኣሎ። 

ብፍላይ ኲናት ኣብ ዝካየድሎም ዘሎ ከባብታት ትግራይን፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ህዝብናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣንፀላልይዎ ዝርከብ ። ዋላ እኳ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ክንዛሕ ዝፅንሐ ፅልኢ ዘበናት ዘቑፀረ እንተኾነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሸሞንተ ወርሒ ድማ ኣዝዩ ገኒኑ ዝተርኣየሉ እዩ። 

እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ''ህዝቢ ትግራይ ደጀን ክኾነና ኣይልኣለን፣ ንሰራዊትና ብጎዞሞን መርዝን ወዲእዎ እዩ'' ኢሉ መርዚ ምስ ተፍአ ድማ ንዕኡ ተኸቲሎም ብዙሓት ሚዲያታት ውልቀን መንግስትን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ቅሉዕ ዝኾነ ወፍሪ ዘርኢ ምፅናት የካይዱ ኣለዉ። 

እቲ ዂናት ብዓወት ትግራይ እናተደፍአ ምስዝኸይድ ድማ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝካየድ ጨፍጫፍን ግፍዕን ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት። ድሮ እኳ በቲ ክንዛሕ ዝቐነየ ፅልእን ብሰራዊት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወረርቲ ናይ ምጥቃዕ ወፍርን ብዙሕ ሰብ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ቦታታትን ክእሰር፣ ክጭወ፣ ንብረቱ ክውረስን ክዓኑን ሪኢና ንዕዘብ ኣለና። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልትታት ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማታት ወረታን ጎንደርን ሰብና እናተቐተለ፣ ሬስኡ ኣብ መንገዲ ክጉተት ተራእዩ እዩ። 

ስለዚ ኣብ ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝርከብ ሰብና ልዑል ጥንቓቐ ክገብር፣ ካብ ገዛ ከይወፅእ፣ ናብ ዝኣምኖ ሰብ ክፅጋዕ፣ ናብ ኤምባሲታት ከዕቁብ፣ ዓርሱ ዝከላኸለሉ ሜላ ከዳኒ፣ ወዘተ ክንምዕድን ክነጠንቅቕን ይግባእ ክብል ኣመራርሓ ቦርድ ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ የተሓሳስብ። ብፍላይ ኣብ ወፃእ ዝርከብ ህዝብና ኣብቶም ካልኦት ቦታታት ኢትዮጵያ ስልክን ኢንተርኔትን ይሰርሕ ስለዘሎ ብዝተኻእሎ ኹሉ እናደወለን እናፅሓፈን ከጠንቅቕ  ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ ይፅውዕ።

ውግእ ይካየደሎም ካብ ዘለዉ ከባብታት ትግራይ ክመዛበል ዝኽእል ሰብና ድማ እቲ ብተነፃፃሪ ኣብ ሓራ መሬት ትግራይ ዘሎ ህዝብና እቲ ዝተለመደ ሓገዙ ክገብረሎም ቦርድ ኣመራርሓ ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ ይሓትት።  

ብዛዕባ እቲ ኣብ ህዝብና ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን ክበፅሕ ዝግመትን ሓደጋ ኣመልኪቱ ድማ መንግስቲ ትግራይ፣ ፖለቲካዊ ውዳበታት ትግራይ፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ትካላትን ማሕበራትን ዲያስፖራ ተጋሩ፣ ምሁራንን ሚዲያታትን ተጋሩ ንማሕበራሰብ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንዓለምለኻዊ ትካላትን ሚዲያታትን ድማ ብፍሉይ ቅሉዕ ደብዳበታት ብምልኣኽን ፃውዒት ብምቕራብን ወዓል ሕደር ብዘየብሉ ፍጥነት ከፍልጡ ይግባእ  ክብል ሓቢሩ።  

ቦርድ ኣመራርሓ ራድዮ ወጋሕታ ትግራይ 

ዋሽንግተን ዲሲ፣ ኣሜሪካ 

05 ሓምለ 2013 ዓ/ም

No comments:

Post a Comment

Note: Only a member of this blog may post a comment.